ዜና

9ይ ጉባኤ ማድኣት ተጀሚሩ

9ይ ስሩዕ ጉባኤ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ትግራይ መጋቢት 7/2008ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ። ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከላ ኣባላት ማሕበርን ብዘይድምፂ ንክሳተፉ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን መዳርግቲ ኣካላትን ብሓፈሻ 605 ይሳተፉ ኣለዉ። ናይቲ ጉባኤ ክቡር ጋሻ ዝተኸበሩ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ፕረዚደንት ምምሕዳር ክልል ትግራይ እቲ ጉባኤ ብዕሊ ዝኸፈትዎ እንትኾን ናይ ሕብሽቲ ምቑራስን ሽምዓ ምውላዕን ስነስርዓት ተገይሩ እዩ። ኣብ ምርግጋፅ ማዕርነት ደቂኣንስትዮ ትግራይ ዕዙዝ ተራ ነይርዎም ዝተበሃሉ ትካት’ውን ካብ ኢድ ዝተኸበሩ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ተቐቢሎም እዮም። እቲ ጉባኤ ሎሚ’ውን እናቐፀለ ዘሎ እንትኾን ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሎ ዝነበረ ጉጅላዊ ምይይጥ ዝተለዓሉ ሓሳባት ኣብ ሓደ መድረኽ ቀሪቦም ብዕምቆት ዝማያየጣሉ እዩ።

DSC_0272 DSC_0249 DSC_0271 DSC_0267 DSC_0405 DSC_0230 DSC_0527

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *